45 እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ።
ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ንኣግ ንጉስ ባሳንን፥ ንዅሎም ነገስታት ከነዓንን ቀተለ።
ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።
ደቂ ሜምፎስን ጣፍናስን ኣነወሩኽን ኣላገፁልክን።
ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤ ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥ ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤ ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።
ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።
ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም።
ደቂ እስራኤል ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፦
ሓሴቦን ርእሲ ኸተማ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን እያ። ንሱ ምስቲ ቕድም ንጉስ ሞኣብ ዝነበረ ተዋጊኡ ንዅላ ምድሩ ኽሳዕ ፈለግ ኣርኖን ዝሓዘ ነበረ።
ካብ ሓሴቦን ሓዊ ወፀ፤ ካብ ከተማ ሴዎን ድማ ሃልሃልታ፥ ንሱ ንኸተማ ዔር ናይ ሞኣብን፥ ነቶም ኣብ ደጕዓ ኣርኖን ዝቕመጡን በልዖም።
ሞኣብ ወይለኻ፤ ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤ ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥ ኣዋልዱ ንምርኮ፥ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
ኢየሱስ ከዓ፦ “ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ኮነ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ፤’ ዝብልዶ ኣብ መፃሕፍቲ ኸቶ ኣየንበብኩምን?