44 እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ።
ነቲ ኻብ ሰይፊ ኣዛሄል ዘምለጠ ኢዩ ኽቐትሎ እዩ፤ ነቲ ኻብ ሰይፊ ኢዩ ዘምለጠ ድማ ኤልሳዕ ክቐትሎ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሸውዓተን ሽሕ ሰባት ከዓ መካበብያ ወደቖም። ወልደ ኣዴር ድማ ሃዲሙ ኣብታ ኸተማ ተሓብአ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።
ከንቱን ክንዓቑ ዘለዎምን እዮም፤ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ኽጠፍኡ እዮም።
በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
ስለዙይ መንገዶም፥ ኣብ ፀልማት ከም ዘሎ መንደልሃፂ ኽትኮኖም እያ፤ ንሳቶምውን ፍግም ኢሎም ክወድቁዋ እዮም፤ ኣነውን ብዝምልከቶም ዓመት፥ ክፉእ ከምፅአሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ።
ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ዘርጊሐልኪ፤ በቲ ዘፃወድክዎ መፈንጠር ከዓ እንተይፈለጥኪ ተትሒዝኪ ኢኺ፤ ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ ዝተዋጋእኺ እሞ፥ ተረኸብክን ተትሓዝክን።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ንሳቶም ከንቱ ናይ ባጫ ኣቑሑ እዮም፤ ፍርዲ ኽመፆም እንተሎ ኽጠፍኡ እዮም።
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥ ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።
ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።