Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 48:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 48:41
16 Referencias Cruzadas  

ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ።


ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።


እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?


ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።


“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንነገስታትን ንመኳንንትን ልቦም ክጠልሞም፥ ካህናት ክድንግፁ፥ ነቢያትውን ክድንፀዉ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።


ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ።


እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”


ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።


ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።


ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።


ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም፥ ኣብ ዕርድታቶም ተቐመጡ፤ ሓይሎም ተወዲኡ ኸም ኣንስቲ ኾኑ። መሸጐሪታት እታ ኸተማ ተሰባበረ፤ ኣባይታ ብሓዊ ነደደ።


“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።


ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።


ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos