39 ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”
ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኵልኻትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘለኹም ብኸዩላ፤ ኵልኻትኩም ስማ እትፈልጡ፥ እቲ ድልዱል በትሪ፥ እቲ ኽቡር ዘንጊኸ ኸመይ ኢሉ ተሰበረ? ኢልኩም ብኸዩላ።
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።
ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።