38 ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንስኻ ኸዓ ብበትሪ ሓፂን ክትሕልዎም፥ ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።”
ፈቖዶ መንገድታቶምውን ወጮ ተዓጢቖም ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምውን፥ የመና ንብዓት እናፍሰሱ ዅሎም በኽዮም እዮም።
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”
ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥
ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።
ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።