36 “ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ።
ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።
ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፤ ፅድቂ ግና ኻብ ሞት ተድሕን።
ፃድቕ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርስ፤ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንፃድቕ ይዕቈረሉ።
ንሃብታም ሰብ፥ እቲ ሃብቱ ፅኑዕ ኸተማኡ እዩ፤ ብሓሳቡ ኸዓ ኸም ልዕል ዝበለ ቕፅሪ እዩ።
ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ስለዙይ ሰባት ነቲ ዝኣከብዎን ነቲ ዝዓቘርዎን ሒዞም ብሩባ ዕቦል ከሳግርዎ እዮም።
ስለዙይ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፥ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂርሄሬስ፥ ከም መሰንቆ ይቝዝም ኣሎ።
ካብ ሰማይ ረአ፤ ካብቲ መሕደሪ ቅድስናኻን ክብርኻን ጠምት፤ ሓይልኻን ቅንኣትካን ኣበይ ኣሎ? እቲ ንኣና ዘለካ ርህራሀ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ።
እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
ኣምዑተይ! ኣምዑተይ! ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ። ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ። ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥ ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥ ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ።