35 ኣነ ኻብ ሞኣብ ኣብ ኰረብታ ንዝሰግዱን፥ ንኣማልኽቶም ንዝዓጥኑን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።
ሞኣብውን ናብ ኰረብታ ደዪቡ እንተ ፀዓረ፥ ኣብ መቕደሱውን ክፅሊ እንተ ኣተወ፥ ሓደ እኳ ዘስልጦ የብሉን።
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
ኣየ ንስኻትኩም! ትሰርቁ፤ ትቐትሉ፤ ትዝምዉ፤ ብሓሰት ትምሕሉ፤ ንበዓል ትዓጥኑ፤ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትኽተሉ ኣለኹም።
መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።