32 ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ።
እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።
ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤ እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤ ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።
ንሞኣብ ዝድምስስ፥ ንዕርድታታ ኸዓ ዘዕኑ፥ እንሆ፥ መፂኡ እዩ እሞ፥ ኣቲ ጓል ዲቦን፥ ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተምልጥን እያ፤ እቲ ለሰ ኽጠፍእ፥ እቲ ጐልጐልውን ክበርስ እዩ።
ሙሴ፥ ዝስልሉ ሰባት ናብ ያዕዘር ምስ ሰደደ፥ ነቶም ኣሞራውያን ኣውፂኡ ነተን ዓድታት ሓዘን።
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን የመና ብዙሓት እንስሳ ነበራኦም። እንሆ ኸዓ፥ ምድሪ ኢያዜርን ምድሪ ገለዓድን ቦታ እንስሳ ኸም ዝኾነ ረአዩ።
“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።
ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥
ናባ፥ በዓል ሜዖን (እዝ ስም እዙይ ተለዊጡ እዩ)፥ ሲብማን ዝበሃላ ኸተማታት ከም ብሓድሽ ሰርሕወን፤ ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከዓ ኻልእ ስም ኣውፅኡለን።
ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥
ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ።
ሓሴቦን ምስ መዋፈሪኣ፥ ኢያዜር ምስ መዋፈሪኣ፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት ተቐበሉ።