31 ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ።
ነተን ከተማታት ከዓ ኣፍረስወን፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ግራት ድማ ዅሎም እቶም ሰባት፥ ሓድሓደ እምኒ ደርብዮም መልእዎ፤ ንዅሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፤ ንዅሉ ፅቡቕ ዝኾነ ኦም ድማ ቘረፅዎ። ኣእማን ቂርሓራሴት ጥራሕ ኣትረፉ፤ ንኣኣ ኸዓ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ወቕዑዋ።
ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፥ እቶም ካብኣ ዝሃደሙ ናብ ዞኣር፥ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ዀብለሉ፤ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ ኣለዉ፤ ኣብቲ ናብ ሖሮናይም ዝወስድ መንገዲውን፥ ጠፋእና እናበሉ ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
“ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ።