29 ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።
እግዚኣብሄር ልዑል እዩሞ፥ ነቶም ትሑታን ይምልከቶም እዩሞ፥ ንትዕቢተኛታትውን ካብ ርሑቕ ይፈልጦም።
ልቢ ሰብ፥ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ልዕል ይብል፤ ትሕትና ድማ ንኽብረት ትቕድማ።
ዕቡይን ምኩሕን ሰብ “መላገፂ” እዩ ስሙ፤ ንሱ ብትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።
ልዕል ልዕል ዝበሉ ኣዒንቲ ዘለውዎ፥ ቀራንብቱውን ንላዕሊ ዝሪኣ ትውልዲ ኣሎ፤
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።
ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።
ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።