24 ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ።
ባላቅ ምስ ሞተ፥ ኢዮባብ ወዲ ዛራሕ በዓል ባሶራ ተኪኡ ነገሰ።
እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።”
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።
እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ።
ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቦሶር ምስ መዋፈሪኣ፥ ያሃፅ ምስ መዋፈሪኣ፥