19 ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ዄንኪ ተመልከቲ፤ ነቲ ዝሃድም ሰብኣይ፥ ነታ እተምልጥ ሰበይቲ፥ እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ጠይቒ።
ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ምድሪ ጋድ፥ ኣብ ማእኸል ለሰ ዘላ ብየማን ከተማ ኢያዜር ኣብ ኣሮዔር ሰፈሩ።
ባላቅ ወዲ ዓዛዝ፥ ወዲ ሸማዕ፥ ካብ ማይ ቤት ኢዮኤል። ነገድ ሮቤል ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ናባን በዓል ሜዎን ተቐመጡ።
ደቂ ጋድ ድማ፥ ዲቦን፥ ዓጣሮት፥ ዓሮዔር፥
ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር፥ በታ ኣብ ፈለግ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ ገለዓድ ዘለዋ ኸተማታት ሓንቲ እኳ ብምንዋሕ ዕርዳ ዝበርትዐትና ኣይነበረትን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዅለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና።
ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ እቲ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን፥ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን ወሰን ዝኾነ ሩባ ያቦቅን፥ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።
ደቂ እስራኤል ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጦምወን እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ በቲ ዘመን እቱይ ዘይወሰድኩምዎም?
እቲ ሰብኣይ ንኤሊ “ካብቲ ውግእ ሃዲመ መፂአ እኒሀኹ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ወደይ! ኩነታት ከመይ ኮነ?” ኢሉ ጠየቖ።