16 ውድቀት ሞኣብ ይቐርብ ኣሎ፤ መከራኣ ኸዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።
እግዚኣብሄር ከዓ “ፅቡቕ ርኢኻ፥ ንቓለይ ክተግሀሉን ከም ዝፍፀም ክገብሮን እየ” በለኒ።
ስለዙይ ከምዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ምስላ እዙይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፤ ኣብ እስራኤል ከዓ መሊሶም ኣይምስሉዎን እዮም። ንስኻ ግና፥ ዘመንን መፈፀምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፥ ኢልካ ደኣ ንገሮም።”
ስለዙይ በሎም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ድሕሪዙይ ካብተን ቃላተይ ሓንቲ እኳ ኣይትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከዓ ኽትፍፀም እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ” ኢልካ ንገሮም።
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።