15 ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤ እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤ ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።
እግዚኣብሄር ልዑልን ግሩምን እዩሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ።
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
ሞኣብ ጠፊኣ እያ። ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”
ከም ጡበታትን ማጓሉን ዲበላታትን ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።”
ኣነ ንመሳፍንታን ንጠቢባናን፥ ንኣሕሉቓን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን፥ ከስክሮም እየ፤ ንዘለኣለምውን ደቂሶም ከም ዘይነቕሑ፥ ክገብር እየ፤ ይብል እቲ ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተብሃለ ንጉስ።
“ሕዚ ድማ ኣነ ናቡከደነፆር፥ ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣለኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ፥ መንገድታቱ ኸዓ ቅኑዕ እዩ እሞ፥ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ኸዋርዶም ይኽእል እዩ።”
“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።
ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።