Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 48:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 “ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 48:11
16 Referencias Cruzadas  

ነፍስና ፀርፊ ሃብታማትን፥ ንዕቐት ዕቡያትን የመና ፀጊባ እያ።


ቤዛ የብሎምንሞ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈርሕዎንሞ፥ ካብ ጥንቲ ዝነበረ እግዚኣብሄር ሰሚዑ የዋርዶም።


ነቶም ዓያሹ፥ ካብ ጥበብ ምርሓቕ ክቐትሎም እዩ፤ ነቶም ደናቝር ከዓ፥ እቲ ሸለልትነቶም ከጥፍኦም እዩ።


ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ የመና ስለ ምዕባዩን ስለ ኵርዓቱን ስለ ትዕቢቱን ስለ ቝጥዓኡውን ሰሚዕና ኢና፤ ትምክሕቱ ኸንቱ እዩ። ይሁዳ “ህዝቢ ሞኣብ ዕቡያት ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። ብርጡጣትን ኵሩዓትን ምዃኖም ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ትምክሕቶም ግና ኸንቱ እዩ” ይብሉ ኣለዉ።


እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ንዅሎም ህዝብታት ብብሉፅ ወይንን ኣንጕዕ ብዝመልአ ስቡሕ ስጋን ብብርቱዕ ፅሩይ ወይንን ዓብዪ ምሳሕ ክገብር እዩ።


ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።


እንሆ፥ ኣነ ዘጋላብጥዋ ዝልእኸሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሳራሙኣ ኸዕርቑ፥ ንሳቶምውን ከገላብጥዋ፥ ኣጋንኣ ጥራሑ ኽገብሩ፥ መዕረቒታታ ኽሰባብሩ እዮም።


ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን በልዐኒ፤ ከፋፈለኒውን፤ ከም ባዶ ኣቕሓ ድማ ገበረኒ፤ ከም ገበል ከዓ ወሓጠኒ፤ በቲ ዘዝጠዓመ ምግበይ ድማ ኸብዱ መልአ፤ ደርበየኒውን።


ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።


ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥ ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥ ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥ ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።


“በቲ ዘመን እቱይ ንኢየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽምርምራ እየ፤ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን፥ ብልቦም፥ ‘እግዚኣብሄርስ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይገብርን እዩ’ ንዝብሉ ሰባት ክቐፅዖም እየ።


ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos