10 እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤ ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥ ዝተረገመ ይኹን።
እቲ ንጉስ ክሓልፍ እንተሎ ድማ “ክዋጋእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ሓልዎ ኢሉ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣምፅአለይ፤ ‘እንተ ጠፍአ ኽንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ወይ ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ እውን በለኒ።
ኣነ ሓሽከርካ ኣብዙይን ኣብቱይን እናበልኩ ኽሰርሕ እንተለኹ ድማ እቲ ሰብ ጠፍአ” እናበለ ናብ ንጉስ ጠርዐ። ንጉስ እስራኤል ድማ “ባዕልኻ ኢልካዮ ኣለኻ፤ ፍርድኻ ኸምቲ ውዕልኹም እዩ” በሎ።
ነቲ ንጉስ ድማ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነቲ ኽመውት ዝፈረድክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፥ ክንድኡ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ክንዲ ሰራዊቱ ኸዓ ሰራዊት እስራኤል ክጠፍኡ እዮም’ ” በሎ።
ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።
“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።
ግና እግዚኣብሄር ንኣስቀሎናን፥ ነቲ ወሰን ባሕርን ክወግእ እንትእዝዞ፥ ንኽፍፅሞውን ኣብኡ ኣዳልይዎ እዩሞ፥ ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ።
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም።
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ‘ንሜሮዝ ርገሙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓያላት ንምርዳእ፥ ንእግዚኣብሄር ንምሕጋዝ ኣይመፁንሞ፥ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ።
ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።
ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።