Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 48:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦ ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ! ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤ ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 48:1
19 Referencias Cruzadas  

ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኮሎዶጎምርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ሓቢሮም መፂኦም፥ ንራፋውያን ኣብ ኣስጣሮት ቃርናይም፥ ንዙዛውያን ኣብ ሃም፥ ንኤሚማውያን ኣብ ጐልጐል ቃርያታይም፥


እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፤ ሞኣብ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ንሱ ናይ እዞም ሞኣባውያን ኣቦ እዩ።


ሕዚ ኸዓ፥ ደቂ ኣሞንን ሞኣብን ኤዶምያስን እነሆ፤ ኣቦታትና ኻብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣኣቶም ክሓልፉ ስለ ዘይፈቐድካሎም፥ ዘይሮም ሓለፉ እምበር ኣየጥፍእዎምን።


ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዝ እምባ እዙይ ክትዓርፍ እያ እሞ፥ ከምቲ ሓሰር ኣብ ጭቃ ዝርገፅ፥ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገፅ እዩ።


ነቲ ዝተዓረደን ልዕል ንዝበለ ፅኑዕ ቅፅርኻን ትሕት ከብሎን፥ ከዋርዶን እዩ፤ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ኽድርብዮ እዩ።


ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።


ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥


በቶም ንንጉስ ሴዴቅያስ ክበፅሑ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ልኡኻቶም ጌርካ ኸዓ፥ ናብ ንጉስ ኤዶምያስን ናብ ንጉስ ሞኣብን ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞንን ናብ ንጉስ ጢሮስን ናብ ንጉስ ሲዶናን መልእኽቲ ለኣኽ።


ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።


“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።


ካብ ዓልሞንዲብላታይም ተልዒሎም፥ ኣብ እምባ ዓብሪም፥ ኣብ መንፅር ናባው ሰፈሩ።


ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos