Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 47:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 “ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 47:6
20 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ኣታ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእዶ ኣሎ እዩ? ንሓዋሩ መሪር ፅልኢ ኸም ዝሓድገልናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ህዝብኻ ንኣና ነሕዋቶም ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘሳጕጉና? ኽምለሱኸ ኣይትእዝዞምን ዲኻ?” በሎ።


እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ” በሎ። እቲ መልኣኽ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ።


ኦ ጐይታ፥ ተልዓል ኣቐዲምካ ናብ ታሕቲ ደርብዮ፤ ንነፍሰይ ካብ ሓጢኣተኛ ብሰይፍኻ ኣድሕና።


ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ?


እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ!


ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።


ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።


ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።


ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥ ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?


እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤ ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥ ዝተረገመ ይኹን።


“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።


ወይ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ሰይፊ ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ ይሕለፍ ኢለ፥ ሰይፊ ናብታ ምድሪ እንተ ኣምፃእኹ እሞ፥


“ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፤ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ ኣብታ እተወለድካላ ምድሪ ኽፈርደካ እየ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።


ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ፅዋዕ ኣይሰትዮን ድየ?” በሎ።


እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos