5 በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤ ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
ዓው ኢሎም ድማ ፀውዑ፤ ከምቲ ስርዓቶም ከዓ ደሞም ክሳዕ ዝፈስስ፥ ንኣካላቶም ብኣስይፍትን ብዂናታትን ተፍተፍዎ።
ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን መስገዲ ዀረብታታት ይድይቡ ኣለዉ፤ ሰብ ሞኣብ ከዓ ንኸተማታቶም ናባን ሜድባን ብሓዘን ይበኽዩለን ኣለዉ፤ ፀጕሪ ርእሶም ተነፅዩ ጭሕሞም ከዓ ተላፅዩ እዩ።
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።
ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥
ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።
ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ።
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
ከሊ ኽዕጠቑ፥ ራዕዲ ኽኽደኑ፥ ኵሉ ገፅ፥ ሕፍረት ክጕልበብ፥ ኵሉ ኣራእሶም ድማ ኽነፅይዎ እዮም።
ሰብ እንተ ሞተኩም ስጋኹም ኣይትባሕጭሩ፤ ብውቃጦ ድማ ምልክት ኣይትግበሩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ካህናት፥ ርእሶም ኣይላፅዩ፤ ወሰና ወሰን ጭሕሞም ኣይላፅዩ፤ ሰብነቶም ከዓ ኣይባሕጭሩ።
እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።
ኵልሻዕ ድማ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ መቓብርን ኣብ እምባታትን ኮይኑ የእዊ፤ ሰብነቱ ኸዓ ብፅንፅልሒት ይትልትል ነበረ።
“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
ከምኡውን ደቂ ይሁዳ ንጋዛ ምስ ከባቢኣ፥ ንኣስቀሎና ምስ ከባቢኣ፥ ንኣቃሮን ምስ ከባቢኣ ሓዝወን።