4 እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥
ንነፍተሂምን፥ ንፈትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝተወለዱ ኻስሉሂምን ንከፍቶሪምን ወለደ።
እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤ ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።
እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም?
ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”
ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም።
እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤ ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥ ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።
“ኣታ በዝ ሓጢኣትካ ዝፍፀመሉ፥ ጊዜ መዓልትኻ ዝበፅሐ ርኹስ ሓጥእ ሓለቓ እስራኤል፥
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፥ ንከሊታውያን ከዓ ኸጥፍኦም፥ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተረፉ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
ኣብ ግብፂ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ ደገፍታ ዅሎም ከዓ ምስ ተሰባበሩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
ዘመን በፂሑ፤ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ፤ ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፥ ዝገዝእ ኣይተሓጐስ፤ ዝሸይጥውን ኣይጕሀ።
ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን?
እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።
ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)
ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን፥ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ዝተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፥ ተሓጐሱ።