Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 47:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥ ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥ ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥ ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤ ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 47:3
14 Referencias Cruzadas  

ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ።


ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤ ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤ እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥ ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥ ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።


ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።


ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”


ንሳቶም ኣፅዋርን ሰረገላታትን መንኰራኵርን ሒዞም፥ ምስ ብዙሕ ጉባኤ ኣህዛብ ክፃረሩኺ ኽመፁ እዮም፤ ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም፥ ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ፍርዲ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም።


እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤ ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤ ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።


ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥ ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤ ሕዚ ግና ሃደሙ፤ ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤ ዝተመለሰ ግና የለን።


ድርዒ ሓፂን ዝመስል፥ ድርዒ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎምውን፥ ከም ድምፂ እቶም ናብ ውግእ ዝጋልቡ፥ ብዙሓት ኣፍራስ ሰረገላታት ነበረ።


ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥ ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos