2 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤ ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤ ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥ ኣብተን ከተማታትን፥ ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ፤ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝነብሩ ዅሎምውን።
ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ እዩሞ፥ እንተ ዝጠሚውን ንኣኻ ኣይነግረካን።
ሰማያት ይተሓጐሱ፤ ምድሪ እውን ደስ ይበላ፤ ባሕርን ምልኣታን ትናወፅ።
ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ይናወፁ።
ትኪ ኻብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ሰራዊት ከዓ ንበይኑ ዝተርፍ የለን እሞ፥ ኣታ በሪ ዋይ ዋይ በል፤ ኣቲ ኸተማውን ኣእውዪ፤ ኵልኻትኩም ፍልስጥኤም ድማ ምኸኹ።
ንወሰናት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፤ ብኽያታ ኸዓ ኽሳዕ ኤግላይም፥ ክሳዕ ብኤር ኢሊም በፅሐ።
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።” በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።
ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ።
ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤ ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ። ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤ ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤
ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤ ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤ ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።
ጓል ግብፂ ነወረት፤ ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት።
ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል።
ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”
እቲ ዝውሕዝ ሰራዊትውን ካብ ቅድሚኡ ኽውሰድ እዩ፤ ንሱን ሓለቓ ቃል ኪዳኑን፥ ክስበሩ እዮም።
ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥ ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።
ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን፥ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
ሓደ ሰብ “እዙይስ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ” እንተበለኩም ግና፥ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን፥ ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም፥ ኣይትብልዑ።
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።