Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 46:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤ ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤ እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥ ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥ ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 46:9
14 Referencias Cruzadas  

ምፅራይም ድማ ንሉዲም፥ ንዓናሚም፥ ንላህቢም፥ ንፍታሌም፥ ንፈትሩሲም፥ ንከስሉሂም ንቀፍቶሪም ወለደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኻብ ከስሉሂም ተወለዱ።


ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም።


ሚፅራይም ከዓ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንላህቢምን፥


ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።


ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥ ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥ ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥ ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤ ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።


ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።


“ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ፤ ዋላቱን ቍራዕ ርእስንውን ሰቐሉልኪ፤ ንሳቶም ገይፂ ሃቡኺ።


ሰይፊ ኣብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ፤ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብፂ ምስ ወደቑ፥ ሃብታ ምስ ተወሰደ፥ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሓት ክኸውን እዩ።


ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን ኩብን፥ ደቂ እታ ኺዳን ዝኣተወት ምድርን ምስኣቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።”


ኢትዮጵያን ግብፅን ዘይቍፀራ ሓይላ ነበራ፤ ፉጥን ሊብያንውን ሓገዝታ ነበራ።


ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥


ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos