4 ኣቱም ፈረሰኛታት ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጡ፤ ቍራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ደፊእኹም ቁሙ፤ ኲናውትኹም ወልውሉ፤ ድርዒ እውን ልበሱ።
ንጉስ ዖዝያን ከዓ ንዅሉ እዝ ሰራዊት እዙይ ዋላቱን ኲናታትን ቍራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ።
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻኽረይ ፍርቆም ይሰርሑ ነበሩ፤ ፍርቆም ድማ ዅናትን ዋላቱን ቀስትታትን ሒዞም ድርዒውን ተኸዲኖም ደው በሉ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ካብ ኵሉ ቤት ይሁዳ ብድሕሪት ይቖሙ ነበሩ።
ኣቱም ህዝብታት፥ ፍለጡሞ ደንግፁ፤ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለኹምውን ኣድምፁ፤ ንውግእ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ፤ ተዓጠቑ ግና ደንግፁ።
ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥ ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤ ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤ ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።
ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ወርዋሪ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ በዓል ቀስቲ፥ ቀስቱ ይገትር። ነጓብዛ ኣይትራህርሁሎም፤ ንዅሉ ሰራዊትውን ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።
ንስኻ ድማ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣሞንን ብዛዕባ ፀርፎምን ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ትንቢት ተናገር፤ በልውን፦ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዝ ሓጢኣት ዝፍፀመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበፅሐ ቕቱላት ሓጥኣን ከንብሩኽስ ከንቱነት ክሪኡልኪ ጥንቈላ ሓሰት ከዓ ኽናገሩልኪ እንተለዉ ሰይፊ፥ ሰይፊ፥ ተመሊሑ ኣሎ፤ ክሓርድን ክጐምድን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ።
እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤ ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤ ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ።
ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፊኡ ነበረ፤ ሓምሳን ሸውዓተን ኪሎ ግራም ዝምዘን ብነሃስ ዝተሰርሐ ድርዒ ተኸዲኑ ነበረ።