16 ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤ ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤ ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።
እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤ እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤ ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።
ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”
‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”