3 ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።
“ሎሚውን ቍዘማይ መሪር እዩ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ።
ኣነ መንበርየይ ዝረሓቐ ወይለይ! ኣብ ድንኳናት ቄዳር ሓደርኩ።
ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።
ብድምፂ መንጫዕጫዕታኻ ቓላይ ንቓላይ ትፅውዓ፤ ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ።
ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።
ዓይነይ ካብ ቍጡዕ ንብዓት ዝተልዓለ ተሃወኸት፤ ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ።
ብምእዋይ ደኸምኩ፤ ጐረሮይውን ነቐፀ፤ ንኣምላኸይ እናተፀበኹ ኣዒንተይ ፈዘዛ።
ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ!
ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።
ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥ ለይትን መዓልትን ክበክስ፥ ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥ ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
ሜም። “ካብ ላዕሊ ሓዊ፥ ናብ ኣዕፅምተይ ሰደደ፤ በርትዐኒውን፤ ንእግረይ መፈንጠር ዘርግሐለይ፤ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፤ ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።”
ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥ ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”
እንተ ኣሕዘነኳ፥ ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ።
ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።
ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ።
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።