Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 44:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7-8 “ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ?

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 44:7
28 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ደሞም የድብዩ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍሶምውን የሻርዉ።


እቲ ንተግሳፅ ሸለል ዝብል፥ ንነፍሱ ይንዕቓ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይልብም።


ሓጥእ ሰብ ብበደሉ ይሕንኰል፤ ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር።


ኣብ ልዕለይ ዝብድል ንባዕሉ ይጐድእ፤ ኵሎም እቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ሞት ይፈትዉ።


ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን።


ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”


ካብ ንእስነትና ጀሚሩ ድኻም ኣቦታትና፥ ኣባጊዖምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኣዋልድን ኣወዳትን፥ ደቆምውን ሕፍረት በሊዑሎም እዩ።


ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።


‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።


ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”


ብኣኺ ሰብኣይን ሰበይትን ክሰባብር እየ፤ ኣረጊትን ቈልዓን ድማ ኽሰባብር እየ፤ ብኣኺ ጐበዝን ጐርዞን ክሰባብር እየ፤


ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?


ሞት ንቘልዑ ኻብ መንገድታት ከጥፍእ፥ ነጕባዝ ድማ ኻብ ኣደባባያት ከፅንት ብመሳዅትና ደዪቡ፥ ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ።


ካፍ። ስለ ጕድኣት ጓል ህዝበይ፥ ህፃናትን ዕሸላትን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ስለ ዝተሓለሉ፥ ኣዒንተይ ብንብዓት ደኸማ፤ ኣምዑተይ ተሃወኸ፤ ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዘርገፈ።


ታው። ንበዓል ከም ዝፅዋዕ፥ ነቶም ዘፍርሑኒ ካብ ዙርያይ ፀዋዕኻለይ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ዘምለጠን ዝተረፈን የለን። ነቶም ዘዕበኽዎምን ዝተኸናኸንክዎምን፥ ፀላእየይ ወድኦም።


ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።


ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረጋውያንን ነጕባዝን ንጐራዙን ንቘልዑን ንኣንስትን ቅተሉ፤ ኣፅንቱ፤ ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም” በሎም። ንሳቶም ከዓ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረጋውያን ጀመሩ።


ንብዙሓት ህዝብታት ኣጥፊእኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛኻ ውርደት መኸርካ፤ ኣብ ልዕሊ ነፍስኻውን ሓጢኣት ገበርካ።


ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”


ሰይፊ ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሓት፥ ንጐበዝን ንጐርዞን፥ ንዝጠቡ ምስ ሽማግለ ኽውድኦም እየ።


ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።


ክትቀትሉ እንተለኹም ከዓ፥ ንዅሉ ተባዕታይን ንዅለን ምስ ተባዕታይ ዝደቀሳ ኣንስትን ቅተሉ” ኢሎም ኣዘዝዎም።


ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።


ንኖብ፥ ነታ ኸተማ ኻህናት፥ ድማ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዓ፤ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ህፃናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሰይፊ ቐተለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos