6 ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና።
ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት።
ነቲ እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ዝሃበኪ፥ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ዝሰተኺ፥ ነቲ ዘስክር ሰንከልከል ዘብል ፅዋዕ፥ ዝሰተኽዮን ዝጨለጥክዮን፥ ኣቲ ኢየሩሳሌም ንቕሒ! ንቕሒ! ተስኢ።
ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።
ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ።
እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”
ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”
ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።
እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።
ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ዝገብርዎ ዘለዉዶ ኣይትርእን ኢኻ?
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
እታ ሃገር እቲኣ ኽትባድም እያ፤ ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን፥ ድምፂ መርዓትን ድምፂ መርዓውን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ሜም። “ካብ ላዕሊ ሓዊ፥ ናብ ኣዕፅምተይ ሰደደ፤ በርትዐኒውን፤ ንእግረይ መፈንጠር ዘርግሐለይ፤ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፤ ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።”
ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
“ኣነ ህያው እየ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን ርግፅ ክነግሰኩም እየ።
ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።
ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ።
ንምልዕዓል ቍጥዓን ንምፍዳይ ሕነን፥ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይኽወል ኣብ ልሙፅ ኰዅሒ ኣፍሰስክዎ።”
“ቍጥዓይ ሕነኡ ኽወፅእ፥ ቍጥዓይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክዝሕል እዩ፤ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ፤ ቍጥዓይ ኣብኣቶም ምስ ኣዝሓልኩ፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብቕንኣተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም።
እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ።
ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
ንኸተማታትኩም ከዕንወን እየ፤ ንመቕደሳትኩም እውን ከፍርሰን እየ፤ ደጊም በቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ደስ ኣይብለንን እዩ።
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”