30 እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”
ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።
ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንቕልፅም ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ሰበርክዋ፤ እንሆ ድማ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል ፈውሲ ገይሩ ብዓለባ ዝፅግና የለን።”
እምበኣርከስ “ብኽብረትን ዕቤትን፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ኤደን፥ ንመን ኢኻ እትመስል? ከምኡ ኸዓ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤደን፥ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፤ ኣብ ማእኸል እቶም ዘይተገዝሩ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ፤ እዙይ ፈርዖንን ኵሎም ህዝቡን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።