29 እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሓሳብ ኣሎ፤ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ፀኒዑ ይነብር።
ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ።
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
“ምልክት ከርእየካስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምን፤ ካብ መዓሙቕ ወይ ካብ ላዕለዋይ ምልክት ጠይቕ” በሎ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
እንሆ፥ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዝነብር ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንኣይን ነቶም ንሱ ዝሃበኒ ደቅን፥ ኣብ እስራኤል ምልክትን ተኣምራትን ኢና።
እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።