28 ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።
ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ።
ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ።
ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።”
ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ።
ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ሙሴ ግና፦ “ስለ ምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? እዙይ ድማ ኣይጠቕመኩምን እዩ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”