23 ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።”
እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝተቐበሉን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፥ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ኽፉእ ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።
ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።
ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም።
ሕግኻ ኣይሓለኹንሞ፥ ንብዓተይ ከም ወሓዚ ማይ ይፈስስ ኣሎ።
እቶም ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ቐረቡ፤ ካብ ሕግኻ ኸዓ ረሓቑ።
ስርዓትካ ኣይደለዩን ኢዮምሞ፥ ድሕነት ካብ ሓጥኣን ርሑቕ እዩ።
ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይሓለዉን፤ ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ።
ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥
እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።
ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን።
ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ።
“ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን?
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።
ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤ ስለዙይውን ረኸሰት፤ እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤ ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እዝ ዅሉ መዓት ወረደና። ግና፥ ካብ ሓጢኣትና ኽንምለስ፥ ናብ ሓቅኻ ድማ ኽነቕልብ ኢልና እኳ፥ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደለናን።
ኣይኮነን፤ እቲ ኣህዛብ ዝስውእዎ፥ ንኣጋንንቲ እዩ እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ኣይኮነን። ንስኻትኩም፥ ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይደልን።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።