19 እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
ሰበይቱ ኤልዛቤል ትደፋፍኦ ነበረት እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር፥ ከም ኣክኣብ ገይሩ ዝተሸጠ ሰብ ኣይነበረን።
ግና፥ ሰበይቱ ጓል ኣክኣብ ነበረት፤ ስለዙይ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ብምኻድ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
ክፉእ ሰብ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን።
ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦
ሽዑ ኤርሚያስ ንዅሎም ነቶም ከምዙይ ኢሎም ዝመለሱሉ ህዝብን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ከምዙይ፥ ኢሉ ተዛረቦም፦
ደቆም ዕንፀይቲ ይእክቡ፤ ኣቦታት፥ ሓዊ ይኣጕዱ፤ ኣንስቲ ኸዓ ነታ ንግስቲ ሰማይ ዝብልዋ ጣዖት ዝኸውን ቅጫ ኽስንክታ ብሑቕ የቘምጥዓ፤ ንኣይ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ፥ መስዋእቲ መስተ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍዩ ኣለዉ።
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።