18 ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”
“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።
ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።
ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።
እኖኣቶም ኣመንዚራ እያ፤ እታ ዝጠነሰቶምውን ነወረት። ንሳ “ደድሕሪ እቶም እንጀራይን ማየይን ፀምረይን ሃረይን ዘይተይን መስተይን ዝህቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ” ኢላ ኣነወረቶም።