Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 44:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 44:15
14 Referencias Cruzadas  

ገና ኸይደቀሱ እንተለዉ ድማ፥ ሰብ ከተማ ሰዶም፥ ኣጓብዝን ዓበይትን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ኵሉ ኸባቢ መፂኡ፥ ነታ ገዛ ኸበባ።


ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ።


ክፉእ ሰብ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ ዘርኢ ፃድቃን ግና ይድሕን።


ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ዓመፅ እናወሰኽኩም ስለ ምንታይ ትቕፅዑ? እንሆ፥ ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ።


ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤ እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤ እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።


እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦


እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።


ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦


ንምርኮ ግብፂ ኽመልሶም፥ ናብታ እተወለዱላ ናብ ምድሪ ጳጥሮስ ድማ ኽመልሶም እየ፤ ኣብኣውን ዝተዋረደት መንግስቲ ክኾኑ እዮም።


ንጳጥሮስ ከባድማ፥ ኣብ ፆዓን ሓዊ ኽእጕድ፥ ኣብ ኖእ ከዓ ፍርዲ ኽገብር እየ።


“በታ ፀባብ በሪ እተዉ፤ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም።


ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos