Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 44:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 44:14
16 Referencias Cruzadas  

በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም።


በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንኽብርን ንገይፅን ክኸውን እዩ፤ ፍረ እታ ምድሪ ድማ፥ ነቶም ካብ እስራኤል ዘምለጡ ሰባት፥ ንትምክሕትን ንሓጐስን ክኸውን እዩ።


ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።


ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።”


ስለዙይ ኣብታ ኽትቅመጥዋ ኢልኩም ክትከድዋ እትደልዩ ዘለኹም ቦታ ብዂናትን፥ ብጥሜትን፥ ብፌራን ከም እትሞቱ ብርግፅ ፍለጡ።”


ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ነቶም ኣባይ ዝዓመፁን ዝኸድዑን፥ ካባኻትኩም ክፈልዮም፥ ካብቲ ጓና ኾይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከዓ ኸውፅኦም እየ፤ ግናኸ ናብ ምድሪ እስራኤልስ ኣይኣትዉን እዮም፤ ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”


“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።


ኣቱም ኣትማን፥ ውሉድ ኣፍዑት፥ ከመይ ጌርኩምከ፥ ካብ ፍርዲ ገሃነም ክተምልጡ?


ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ?


ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦ “ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።


ንሕና ግዳ ንኽንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ድሕነት ሸለል ክንብል እንተለና፥ ከመይ ጌርና ኽነምልጥ ንኽእል? እዙይ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድሕነት፥ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊፁልና እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos