Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 44:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 44:13
11 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።


ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።


ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”


ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።


ኣቱም ተረፍ ቤት ይሁዳ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ናብ ግብፂ ኽትከዱ ገፅኩም እንተ መሊስኩም፥ ኣብኣ ኽትቅመጡውን እንተ ግዒዝኩም፥


እቲ እትፈርሕዎ ውግእ ክበፅሐኩም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ እቲ እትፈርሕዎ ጥሜት ክስዕበኩም እዩ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።


ኵሎም እቶም ኣብ ግብፂ ኸይዶም ክቕመጡ፥ ገፆም ናብ ግብፂ ዝመለሱ ሰባት ኣብኡ ብዂናት፥ ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሞቱ እዮም፤ ካብኣቶም ከዓ ኻብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓት ሓደ እኳ ኣይተርፍን፤ ኣየምልጥን እውን እዩ።”


ኣምላኽ እስራኤል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ከምቲ ቝጥዓይን መዓተይን ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝፈሰሰ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተኹም፥ ቍጥዓይ ናባኻትኩም ክፈስስ እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ክትኮኑ ኢኹም። ብድሕሪዙይውን ነዛ ቦታ እዚኣ ኣይትርእይዋን ኢኹም፤ ይብል።


ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ።


እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos