10 ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን።
“ኣክኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ? ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ ነቲ ኽፉእ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ብዘመን ወዱ እየ ዘምፅኦ እምበር ብዘመኑ ኣየምፅኦን እየ” በሎ።
ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።
ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።
ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ።
ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ።
ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም።
መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።
ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይሓለዉን፤ ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ።
ሙሴን ኣሮንን ድማ ኣትዮም ንፈርዖን፥ “ኣምላኽ ዕብራውያን እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ እትዕበ? ኸገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?
ንስኻን መኳንንትኻን ግና ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይትፈርሑ እፈልጥ እየ” በሎ።
ለባም ሰብ ይፈርሕ፤ ካብ ክፉእ ድማ ይርሕቕ፤ ሰነፍ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።
ብምሕረትን ብሓቅን፥ ስርየት በደል ይርከብ፤ ሰብውን ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ካብ ክፍኣት ይርሕቕ።
ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብሩኽ እዩ፤ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።
ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥ ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ? እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥ ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።
ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።
ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፥ ክትከብር ይግብአካ እዩ፤ ካብ ኵሎም ጠቢባን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሎም መንግስታቶምን፥ ሓደ እኳ ከማኻ የለንሞ፤ ንኣኻ ዘይፈርሕ መን እዩ?
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥
ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።
ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ብማእኸል ከተማ፥ ብማእኸል ኢየሩሳሌም ሕለፍ እሞ፥ ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእኸላ ዝግበር ዘሎ ርኽሰት፥ ዝጕህዩን ዝትክዙን፥ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም” በሎ።
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ።
እቲ ኻልኣዩ ግና፥ “ኣታ፥ ኣብዝ ኸምዙይ ዝበለ ፍርዲ እንተለኻ፥ ንእግዚኣብሄርዶ ኣይትፈርሕን ኢኻ?
ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።
ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”