7 ንቓል እግዚኣብሄር ኣይሰምዑንሞ ናብ ግብፂ ኣተዉ፤ ክሳዕ ጣፍናስ ከዓ በፅሑ።
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ።
እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።
ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ።
እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥
ደቂ ሜምፎስን ጣፍናስን ኣነወሩኽን ኣላገፁልክን።
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ።
እምበኣርከስ ሎሚ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ልኢኹኒ ዝነገርኩኹም ቃል ኣይተኣዘዝኩምን።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦
ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥ ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤ ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤ ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።
ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።