Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 43:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 43:6
11 Referencias Cruzadas  

እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።


ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።


ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥


ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥


እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።


ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።


ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ ኣብኣ ኣብ ሪብላ ቐተሎም።


ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤


ንስኻ ጐበዝ እንተለኻ፥ ባዕልኻ ሕቘኻ ተዓጢቕካ፥ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ሸምገልካ ግና፥ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ፥ ሕቘኻ ኻልእ ከም ዘዕጥቐካ፥ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos