5 ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ።
እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።
እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ።
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ።
እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።