Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 43:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ስለዙይ ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ኾነ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮኑ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ” ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይሰምዕዎን።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 43:4
10 Referencias Cruzadas  

ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ።


እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።


ብእግዚኣብሄር ተኣመን፤ ሰናይ ድማ ግበር፤ ኣብ ምድሪ ተቐመጥ፤ ተኣሚንካውን ውፈር።


ሽዑ ኣነ “ካብ ሓይልስ ጥበብ ትበልፅ፤ ጥበብ ድኻ ግና ንዕቕቲ እያ፤ ቃሉውን ኣይትስማዕን” በልኩ።


ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።


እምበኣርከስ ሎሚ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ግና ነቲ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ናባኻትኩም ልኢኹኒ ዝነገርኩኹም ቃል ኣይተኣዘዝኩምን።


ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ


ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos