Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 43:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2-3 ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 43:2
31 Referencias Cruzadas  

ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።


ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።


ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዝሰሓቱ ትዕቢተኛታትን ርጉማትን ገሰፅካዮም።


እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።


ነፍስና ፀርፊ ሃብታማትን፥ ንዕቐት ዕቡያትን የመና ፀጊባ እያ።


ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።


ሕዚ እውን ከይትሰዶም ገናዶ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ትዕበ ኣለኻ?


ኵሉ ብልቡ ዝዕበ ብእግዚኣብሄር ርኹስ እዩ፤ ኢድ ብኢድ እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን።


“ዕቡይ ዓይኒ፥ ሓሳዊት መልሓስ፥ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥


ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ፤ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን፥ ክፉእ ኣካይዳን ዘረባ ሓሰትን እፀልእ እየ።


ርእሲ ኤፍሬም ሰማርያ፥ ርእሲ ሰማርያውን ወዲ ሮሜልዩ እዩ። “እምበኣር እምነትኩም እንተ ዘይፀንዐ፥ ፈፂምኩም ክትቆሙ ኣይትኽእሉን።”


ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ።


እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ ስምዑ፥ ፅን በሉ፤ ኣይትተዓበዩ።


ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።


እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።


ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም።


ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤


‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።


ንሳቶም ከዓ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደልና ዅሉ ቓል እንተ ዘይጌርና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና።


ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥


“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።


“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።


ከምኡ ኸዓ፥ ኣቱም መንእሰያት፥ ነቶም ኣረጋውያን ተኣዘዝዎም። “እግዚኣብሄር ንዕቡያት ይቃወሞም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።” ከም ዝብል፥ ትሕትና ለቢስኩም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos