Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 43:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 43:10
19 Referencias Cruzadas  

ወልደ ኣዴርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኮይኖም ክሰትዩ እንተለዉ፥ እዝ ነገር እዙይ ሰምዑ። ወልደ ኣዴር ድማ ንሰራዊቱ “ተሰለፉ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ኣብ መንፅር እታ ኸተማ ተሰለፉ።


ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ወፁ። ወልደ ኣዴር ግና፥ ንሱን እቶም ክሕግዝዎ ዝመፁ ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።


መሰወሪኡ ድማ ፀልማት ገበረ፤ ኣብ ዙርያኡውን ድንኳኑ ገበረ፤ ኣብ ውሽጢ ደመናት ናይ ፀልማት ማይ ነበረ።


ንሱ ብመዓልቲ መከራይ ኣብ ድንኳኑ ሰዊሩኒ እዩሞ፤ ኣብ መሕብኢ ድንኳኑ ሓቢኡኒ እዩሞ፤ ኣብ ኰዅሒ ድማ ልዕል ልዕል ኣቢሉኒ እዩሞ።


ብመጋረዲ ገፅካ ኻብ ክርክር ሰባት ትኽውሎም፤ ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም።


ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”


እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም።


“ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን።


ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤


ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፥ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፤ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ ነቲ ሓደ ሲሶ ኸዓ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፥ ደድሕሪኣቶምውን ሰይፈይ ክመዝዝ እየ።


ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።


እቲ ንጉስ ተቘጢዑ፥ ወታደራቱ ልኢኹ፥ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኦም፤ ንኸተማኣቶምውን ኣቃፀለ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos