3 እንኸደላ መንገድን እንገብሮ ግብርን ከርእየና፥ ስለ እዞም ተረፍ፥ ናብ ኣምላኽካ ናብ እግዚኣብሄር ፀልየልና” በልዎ።
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸዱላ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፥ ሓጢኣት ባሮትካን ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ዝናም ሃብ።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ መሃረኒ፤ ምእንቲ ፀላእተይውን ብቕኑዕ መንገዲ ምርሐኒ።
ኦ ጐይታ፥ መንገድኻ ምርሐኒ፥ ብሓቅኻ ክኸድ እየ፤ ስምካ ንምፍራሕ፥ ልበይ ደስ ይብሎ።
ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ፤ ብዙሓት ህዝብታት፥ “ንዑ ናብ እምባ እግዚኣብሄር፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያዕቆም ንደይብ፤ ንሱ መንገዱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብመንገድታቱ ኽንመላለስ ኢና” ክብሉ እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ።
ሕጊ ኻብ ፅዮን፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ክወፅእ እዩ እሞ፥ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፥ “ንዑናይ ናብ እምባ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፥ ንሱ ኸዓ መንገድታቱ ኽምህረና እዩ፤ ንሕናውን ብመንገድታቱ ኽንኸይድ ኢና” ኽብሉ እዮም።
ካብ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ድምፂ ህያው እግዚኣብሄር ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ሰሚዑ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ?
ንኣኣቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነሎም፥ ክፈርሑንን ኵሉ ትእዛዛተይውን ክሕልዉን፥ ከምዙይ ዝበለ ልቢ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ!