Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 42:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ‘ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀልየልና፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ንገረና፥ ንሕናውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም እሞ፥ ንባዕልትኹም ኣታለልኩም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 42:20
17 Referencias Cruzadas  

ብእዝኒ ሰሚዖም ተገዝኡለይ፤ ደቂ ጓና እናሰገዱ ናባይ መፁ።


ነገር ዓመፅቲ ሓየለና፤ ሓጢኣትናስ ንስኻ ይቕረ ትብለልና ኢኻ።


ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”


ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኽተምስል እምበር፥ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመለሰትን።”


ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ።


ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።


ንነቢይ ኤርሚያስውን፦ “ካብ ብዙሓት፥ ውሑዳት ከም ዝተረፍና ትሪአና ኣለኻሞ፥ በይዛኻ ልመናና ኣብ ቅድሜኻ ትብፃሕ። ኣምላኽካ እግዚኣብሄር፥


ንሳቶም ከዓ “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥ ብኣኻ ገይሩ ዝሰደልና ዅሉ ቓል እንተ ዘይጌርና፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹነና።


ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ።


ከም ኣመፃፅኣ ህዝቢ ድማ ናባኻ ይመፁ፤ ከም ህዝበይ ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፤ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፤ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም፤ ብኣፎም ድማ ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፤ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ።


ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”


ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።


ካብኣቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ድማ፥ ክፍትኖ “መምህር፥ ካብ ኦሪት ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ?” ኢሉ ጠየቖ።


ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።


ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos