16 እቲ እትፈርሕዎ ውግእ ክበፅሐኩም፥ ኣብ ሃገር ግብፂ ድማ እቲ እትፈርሕዎ ጥሜት ክስዕበኩም እዩ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።
ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።
“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥
እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።
ሰይፊ ፈራሕኹም፤ ሰይፊ ድማ ኸምፅአልኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ከምዙይ እንተ ሓዲግናዮ፥ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መፂኦም፥ ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም” በሉ።
“ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዚዝኩም፥ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ንምፍፃም ድማ እንተ ዘይተጠንቂቕኩም፥ እዝ ዅሉ መርገም ክመፀኩም እዩ፤ ክረኸበኩምውን እዩ፦
እግዚኣብሄር ብዘማስን ሕማምን ብዓሶን ብረስንን ብቝስልን ብሃሩርን ብድርቅን ብሕሞድያን ክወቕዐኩም እዩ፤ ክሳዕ እትጠፍኡ ድማ ኸሳጕጉኹም እዮም።
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይተኣዘዝኩም፥ እቲ ዝኣዘዘኩም ትእዛዛቱን ሕግጋቱንውን ስለ ዘይሓለኹም፥ እዞም ኵሎም መርገማት ክወርዱኹም፥ ክሳዕ እትጠፍኡ ኽወርድኹም ከሳጕጉኹም ክረኽቡኹም እዮም።