13-14 “ግና ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይተኣዘዝኩም እሞ ‘ኣይፋልናን፤ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላ፥ ድምፂ መለኸት ዘይንሰምዐላ፥ እንጀራ ዘይንጠምየላ ሃገር ግብፂ ግዒዝና ኽንቅመጥ ኢና እምበር፥ ኣብዛ ሃገር እዚኣስ ኣይንቕመጥን’ እንተ በልኩም፥
ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።
‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።
“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።