12 ኣነ ኽምሕረኩም እየ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኸም ዝምሕረኩምን፥ ናብ ሃገርኩም ከም ዝመልሰኩምን ክገብር እየ።’
ኦ ጐይታ፥ እዝንኻ፥ ፀሎት ባርያኻን ፀሎት እቶም ስምካ ኽፈርሑ ዝፈትዉ ባሮትካን ይስማዕ። በይዛኻ፥ ሕዚ እውን ንኣይ ንባርያኻ ኣቕንዐለይ፤ ኣብ ቅድሚ እዝ ሰብ እዙይ ከዓ ምሕረት ሃበኒ።” ኣነ ድማ ናይ ንጉስ ኣሰላፊ ወይኒ ነበርኩ።
ሰብ በካይዳኡ ንእግዚኣብሄር እንተ አሐጒስዎ፤ ኣብ ማእኸሉን ኣብ ማኸል ፀላእቱን ሰላም ይገብር።