Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 41:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 41:9
11 Referencias Cruzadas  

ሕዚ እኳ ኣብ ሓደ በዓቲ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሓቢኡ ይህሉ ይኸውን። ብመጀመርታ ንሱ እንተ ደኣ ተዋጊኡኩም፥ እቲ ዝሰምዐ ዅሉ ህዝቢ ‘እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተስዒሩ እዩ’ ኽብል እዩ።


ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ ዝተወግኡን፥ ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፥ ከም እተረግፀ ሬሳ፥ ከም ፍንፉን ጨንፈር ኴንካ ናብ መቓብርካ ተደርበኻ።


ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ።


ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ።


እቶም ሰብ እስራኤል፥ ፍልስጥኤማውያን ንሰራዊቶም ከም ዘፅበቡሎም ምስ ረአዩ፥ ኣብ በዓትታትን ኣብ ዱርን ኣብ ኣኻውሕን ኣብ ጐዳጕድን ኣብ ዒላታትን ተሓብኡ።


ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተርኣይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እንሆ፥ ዕብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወፁ ኣለዉ” በሉ።


እቶም ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፥ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፥ እግሪ እግሮም ስዒቦም ተዋግኡዎም።


ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos